ውልቃዊ መምርሕታት
1. መእተዊ
1.1 ቑርፀኛ መግለፂ
እንኳዕ ናብ ግልጋሎት ሎቶሪ ኢትዮጵያ ብደሓን መፃእኹም። ውልቀ መረዳእታኹም ንምሕላውን ንምኽባርን ውፍያት ኢና። እዚ ናይ ውልቀ ምሽጥር ናይ ምሕላው ፖሊሲ ፣ ንሶም ብሎቶሪ ኣገልግሎትና እንትሳተፉ ናቶም ሓበሬታ ከመይ ከም እንእክብ ፣ ከምእንጥቀም ፣ ከመይ ከምንሕሉን ይገልፅ።
መለለይ ብምፍጣር ወይ አገልግሎትና ብምጥቃም ብዚ መመሓደሪ ውሽጢ ዝተዘርዘሩ ውዕልታት ኸም ዝተሰማማዑን ኸም ዝተቀበሉን ይቑፀር።
1.2. ኣፈፃፅማ ምሕደራ
እዚ ሎተሪ ብኹሎም ናይ ድጂታል ሎተሪ ግልጋሎት፣ ብዕፃ ዝውሰኑ ሎተሪታት፣ብፈጣን ፅዋታታ ከምኡ'ውን ምስ እዚኦም ተዛሚዶም አብ ልዕሊ አገልግሎት መተግበሪ መርበብ ሓበሬታ ተፈፃሚ ይኸውን።
2. እንእክቦ መረዳእታ
ቐፂሎም ዘለው ኣተኣኻኽባ መረዳእታታት ክንኽተል ንኽእል ኢና
- 2.1 ውልቃዊ መፍለይይ፦ ሽም፣ ዝተውልዱሉ ዕለት፣ ፆታን ናይ ታሴራ ቑፅሪታት
- 2.2 ናይ መፍለይይ መረዳእታ፡-ናይ ተጠቃሚ መፍለይይን ናይ ሕለፍ ቃል
- 2.3 ናይ መራኸቢ መረዳእታ፦ ኣድራሻ (ኢሜይልን ቑፅሪ ቴሌፎንን)
- 2.4 ናይ ዕድጊት መረዳእታ፦ ናይ ባንኪ ሒሳብን ናይ ክፍሊት ዝርዝራትን
- 2.5 ቴክኒካል መረዳእታ ፣ IP ኣድራሻ ፣ ዓይነት መርበብ ሓበሬታ ፣ በኩኪታትን ተመሳሰልቲ ናይ ቴክኖሎጂ መረዳእታን ዝእክቡ መሳርሕታት
- 2.6 መረጋገፂ መረዳእታ :- ሰነዳት መለለይ መንነት ወይድማ መገልገልቲ ተዛመድቲ ቅዳሓት
3. መረዳእትኦም ከመይ ከም እንእክብ
ናይ ውልቅ መረዳእትኦም ብዞም ዝስዕቡ መንገድታት ንኻዕብት ኢና፦
- 3.1 ቀጥተኛ ርክብ ፣ መለለይ ንምፍጣር እንትምዝገቡ ፣ ቲኬት ሎቶሪ ፣ ኣብ ፀዋታ እንትሳተፉ፣ ሽልማት እንትጥይቑ ወይ ምሳና እንትራኸቡ።
- 3.2 ቀጥተኛ ርክብ ፣ መለለይ እንትምዝገቡ ፣ ቲኬት ሎቶሪ እንትዕድጉ ወይድማ ምሳና እንትራኸቡ።
- 3.3 ሳልሳይ ወገናት :- ብክፍሊት ምስብሳብ ፣ ብ መንንት ምፅራይን ምርግጋፅን ከምኡ'ውን ናይ ዕድጊት ስራሕቲ ካብ ዝሕግዙና አቅረብቲ።
4. ናቶም ኣጠቓቕማ ሓበሬታ
ናቶም ውልቃዊ ሓበሬታ ንምንታይ ንጥቀመሎም
- 4.1 ግልጋሎት ሎቶሪ ንምምሕዳር
- 4.2 ዕድጊታቶም ንምክያድን መለለይኦም ንምምሕዳርን
- 4.3 ናቶም መንነት ንምርግጋፅን ምስ ሕጋዊ ግዴታ ንምምዕርራይ
- 4.4 ብዛዕባ ዕብየት ፣ ምልክታታትን ናይ ዓሚል ግልጋሎት ንምልላይ
- 4.5 አጠቃቅማ ብምትንታን ግልጋሎትናን ናይ ተጠቀምትና ተሞክሮ ንምምሕያሽ
- 4.6 ድሕንነት ንምሕላው ፣ ምጭብርባር ንምክልኻል
5. ሕጋዊ ሰረት ንምክያድ
5.1. ናይ ዉልቀ መረዳእታታት ብ ሕጋዊ ፣ ፍትሓውን ግልፀነት ብዘለዎ መልክዑ ብዞም ዝስዕቡ ተመስሪቱ ይቀናበር
- ሀ) ፍቓድ ፦ ናይ ዉለቀ መረዳእታ ንምጥቓም ብግልፂ ናቶም ዓርሰ ፍቓድ ብምርካብ።
- ለ) ናይ ዉዕል ግቡእ ፦ ምስኦም ዘለና ዉዕል ንምፍፃም
- ሐ) ሕጋዊ ግቡእ ፦ ምስ እንሰርሖም ስራሕቲ ተተሓሓዝቲ ዝኮኑ ሕግታትን መምርሕታትን ንምክባር ተፈፃሚ ንምግባር
- መ) አግባብ ዘለዎ መሰል ፦ ስራሕትና ንምምሕዳርን ግልጋሎትና ንምምሕያሽን
5.2. ናይ ዉልቀ መረዳእታታት ዝቀናበር ንዞም ዝስዕቡ ግቡእን ደምብታትን ተፈፃምነት ንምክባር እዩ።
- ሀ) ናይ ሎተሪ ፀዋታ ሕግታትንን ደምብታትን
- ለ) ካብ ሕጋዊ መንገድታት ወፃኢ ዝተረኸበ ገንዘብ ሕጋዊ አምሲልኻ ዝራብ ንምክልኻል
- ሐ) ናይ መረዳእታ ሓለዋ ንምኽባር
- መ) ናይ ግብሪ ግቡኣት ንምውፃአ
5. መረዳእታታት ምግላፅን ምክፋልን
ናይ ውልቅ መረዳእታኦም ፍቃድ እንትንረክብ፣ መረዳእትኦም ንምቅንብባር ሕጋዊ መሰረት እንትህሉ፤ መረዳእትኦም ንምሕላው አግባብነት ዘለዎም ናይ ምሕላው ክያዶ እንትረጋገፅን ናይ መረዳታኦም ምክፋል ዓላማን ናይቲ ተቐባሊ መንነት ንክፈልጡ ብምግባር እዚኦም ቅደም ኹነታት ምስተማለኡ ጥራሕ ንዝምልከቶ ሳልሳይ ወገን ክነካፍል ንከል ኢና።
- 6.1 ናይ ግልጋሎት ኣቅረብቲ፦ ብምስብሳብ ኽፍሊት፣ ብ ትንተና መረዳእታን መንነት ብምፅራይን ብምርግጋፅን ስራሕቲ ግልጋሎት ንዝህቡ አቅረብቲ።
- 6.2 ንመንግስታዊ ተቆፃፀርቲ ኣካላት፦ ሕጋዊ ግቡኣት ንምክባርን ወይ ንዝቐርቡ ሕጋዊ ሕቶታት መልሲ ንምሃብ።
- 6.3 ናይ ንግዲ በዓል ዋናነት ዝውውር ፦ ናይ ንግዲ ድርጂት ውህደት ፤ዕድጊት ወይ ድማ ናይ ንብረት ዕድጊት አብዝኸናወነሉ እዋን።
7. ናይ መረዳእታ ድሕንነት
- 7.1 መረዳእትኦም ካብ ዝተፈቐደሉ ጥቕሚ ፣ ለውጢ ከምኡ'ውን ዕላዊ ምግባር ንምክልካል በኢንዱስትሪ ደረጀኡ ዝሓለወ ናይ ሓለዋ ድሕንነት ተግባራት ንትግብር ኢና።
- 7.2 ናይ ዉለቀ መረዳእትኦም ዘይተፈቐደሉ ሰብ ንከይጥቀመሉን ንከይረኽቦን፣ ብሃንደበት ንከይጠፈእን ወይ ንከይበላሸ ንምክለኻል ዝግባእ ናይ ቴክኒክን ድርጅታዊ ተግባራትን ንትግብር ኢና።
- 7.3 ብመድብ ናይ መረዳእታ ድሕንነትን ግምገማን በብግዚኡ ነካይድ ኢና።
- 7.4 ናይ መለለይ ምዝገበኦም ድሕንነት ንምሕላው ናቶም ሓላፍነት'ውን አለዎም።
8. ክዕበታ መረዳእታ
- 8.1 ናቶም ቅልቃዊ መረዳእታ ኣብዚ መምርሒ ዉሽጢ ዓላማታት ንምምላእ፣ብሕጊ ዝተወሰኑ ግቡኣት ንምፍፃም ፣ ዘይምርድዳእ ንምፍታሕ፣ ወይ ስምምዕንት ንምፍፃምን እስካዕ ምክንያታዊ ዝኾነ ግዘ እናካዕበትና ንፀንሕ ኢና።
- 8.2 ሕዚ ብዝፈቅዶ መሰረት ግቡአት ብምክባር ፣መለለይኦምን መረዳእትኦምን ንምስራዝ ሕቶ ከቅርቡ ይክኡሉ እዮም።
9. ናይ ተጠቃሚ መሰላት
ተጠቀምቲ እዞም ዝስዕቡ መሰላት አለዉዎም
- ሀ) ናይ ውልቀ መረዳእትኦም ምርኣይ፣ ምሕዳስ፣ወይ ምስትክካል
- ለ) ስለ ናቶም እንሕዞ መረዳእታ ምሕታት
- ሐ) ተቀባልነት እንትህልዎ ናይ መረዳእትኦም አጠቃቅማ ብዝምልከት ዝሃብዎ ፍቃድ ምስራዝ
- መ) ሕጊ ብዝፈቐዶ መሰረት ግቡእኣት ንምክባር፣መለለይን መረዳእታን ንምውጋድ ሕቶ ምቅራብ ይከእሉ እዮም።
10. ኩኪታትን ናይ መከታታሊ ቴክኖሎጂን
- 10.1 ናቶም ተሳትፎ ንምሕያል፣ኣጠቃቅማ ንምትንታን ፣ውልቃዊ ዝኾኑ ትሕዝቶታትን መላለይይ ንምቅራብ ኩኪታትን ቴክኖሎጂን ንጥቀም ኢና።
- 10.2 ናይ ኩኪ ሕርያታት ብ መዳህሰሲ ድሕረ-ገፅ (browser) ዝርከቡ ምትዕርራይ ብምጥቃም ክቆፃፀሩ ይኽእሉ እዮም።
11. መራኸብቲ ሳልሳይ ወገን
መድረኻትና ናብ ሳልሳይ ወገን ድሕረ-ገፃት ዝወስዱ ክሕዝ ይክእል ዩ። ነዞም ድሕረ-ገፃት እዚኦም ናይ ውልቃውነት ስነ ስርዓታት ወይ ዝቐርብ ትሕዝቶ ተሓታትነት የብልናን።ነዞም ናብ ሳልሳይ ወገን ድሕረ-ገፃት እዚኦም ዝኾነ ይኹን መረዳእታ ቅድሚ ምውሃቦም ናይ ውልቃውነት መምርሕታትና ይፈትሹ።
12. ናይ ህፃናት ውልቃውነት
መድረኽና ንዝቐርብ ናይ ሎቶሪን ፈጣን ፀዋታታት ተሳተፍቲ ብ ሕጊ ዝተገደበ ዕድመ (18ን ልዕሊኡን ) እንተዘይኮይኖም ክጥቀሙ ኣይኸእሉን።
13. ዓለም ለኻዊ ዝውውር መረዳእታ
ካብ ኢትዮጵያ ወፃኢ ዝርከቡ እንተኾይኖም፣ መረዳእትኦም ብዝተፈላለዩ ሕግታት መረዳእታ ሓለዋ ዘለዎም ሃገራት ክተሓላለፍን ከቀናበርን ይከል እዩ። መረዳእትኦም ንምሕላው አግባብ ብዘለዎም ናይ ሓለዋ ተግባራት ከም እንወስድ ነረጋግፅ።
14. ናይ መምርሒ ለውጥታት
እዚ ናይ ውልቃውነት መምርሒ በቢ ግዜኡ ክነማሓይሾ ንኸእል ኢና። እቶም ለውጥታት ድማ በቲ ድሕረ-ገፅ ክረእዩ እዮም። ግልጋሎትና ምጥቃም ምቅፃሎም ድማ እቲ ዝተማሓየሸ መምረሒ ከምዝተቐበሉ ይቑፀር።
15. ኣድራሻ
ነዚ ናይ ውልቃውነት መምርሒ ሕቶታት ወይ ሪኢቶታት እንተሃልይዎም ብ ኢሜይል info@ethiolottery.et ወይ ቑፅሪ ቴሌፎንን +251 977717272 ይርኸቡና።